Saturday 14 January 2017

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕይድ


SFbBox by web design dubai

Breaking News! መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕይድ

Radio Erena: 14 January 2017

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ፣ ምፍራይ ፊልምን ሙዚቃን ተዋፊሮም ንዝርከቡ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕየዱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።
ዛጊት በጺሑና ካብ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዞም እናተኣድኑ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃህድቲ ፊልምን ኣፍረይትን፣ መርሃዊ መለስ፣ ወነንቲ ዮናን ፕሮዳክሽን ዳኒኤል ኣብርሃምን ዮናስ ሰሎምንን ይርከብዎም።
ሓያሎ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝህደኑ ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልምታት፣ ደረስትን ኣፍረይትን፣ ኣብቲ ብ "ላቭ ዩ ኤረና" ዝፍለጥ፣ ኣብ ጀርመን ምስ ዝመደበሩ ናይ ብዙሓት ስነጥበባውያን ፍርያት ኣብ ዩቱብ ዝዝርግሕ ዘሎ ትካል ክሰርሑ ዝጸንሑ'ዮም።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሓያሎ ኣብ እንዳዜና ዝተመደቡ ሰኣልትን ኣወሃህደቲ ፊልምን ምስ ናይ ደገ ትካላት ትሰርሑ ኣለኹም ብምባል ከጠንቕቖዎምን ከፈራርሕዎምን ምጽንሖም ይፍለጥ።
ይኹን'ምበር ጠንቒ ማእሰርቲ'ዞም ኣብ ዓውዲ ምፍራይን ምዝርጋሕን ፊልምታትን ደርፍን ክነጥፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ስግረ ዶብ ሓሲቦም ዝብል ወረ ግና ይጋዋሕ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ኩሉ ጽላት ንዝነጥፉ ኣካላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ብልዑል ናህሪ ናብ ስደት ይደፍኦ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብ ፊልምን ደርፊን ዝነጥፉ ስነጥበባውያን'ውን ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብብዝሒ ክስደዱ'ዮም ዝርኣዩ ዘሎ።

No comments: